ትግርኛ · ኣገልግሎት ቋንቋ
ብቋንቋኹም ተረዳድኡ።
ረሆቦት ናይ ቋንቋ ኣገልግሎት ንሆስፒታል፣ ንቤት ፍርዲ፣ ንኢሚግሬሽንን ንመንግስታዊ ጉዳያትን ብቑዓት ተርጎምቲ ትግርኛን ዝተረጋገጸ ትርጉም ሰነዳትን የቕርብ — ብተሌፎን፣ ብቪድዮን ብኣካልን።
መሰልኩም ፍለጡ
ኣብ ኣመሪካ፣ ፈደራላዊ ገንዘብ ዝረኽቡ ሆስፒታላት፣ ክሊኒካትን መንግስታዊ ቤት ጽሕፈታትን መብዛሕትኡ ግዜ ብነጻ ተርጓሚ ከቕርቡ ይግደዱ። ተርጓሚ ሕተቱ — ስድራቤትኩም ወይ ቆልዑትኩም ክትርጉሙልኩም ኣየድልን።
እዛ ካርድ ኣርእዩ
ኣብ ሆስፒታል፣ ክሊኒክ ወይ ቤት ጽሕፈት መንግስቲ ንሰራሕተኛ ኣርእዩ።
እዚ ገጽ ሓፈሻዊ ሓበሬታ ጥራይ እዩ፤ ሕጋዊ ምኽሪ ኣይኮነን። ረሆቦት ኣገልግሎት ትርጉምን ተርጓምነትን ጥራይ እያ እትህብ፤ ሕጋዊ ወይ ናይ ኢሚግሬሽን ምኽሪ ኣይንህብን። ንሕጋዊ ጉዳያት ፍቓድ ዘለዎ ጠበቓ ኣማኽሩ።
General information only, not legal advice. Rehoboth provides translation and interpreting only and does not provide legal or immigration advice.
እንህቦ ኣገልግሎት
ንUSCIS ዝተረጋገጸ ትርጉም
ምስክር ወረቐት ልደት፣ መውስቦ፣ ትምህርትን ካልኦት ሰነዳትን። ናይ ኢትዮጵያ ዓውደ ኣዋርሕ ናብ ናይ ግሪጎሪያን ዕለት ንቕይር።
ንጠበቓን ቤት ፍርድን
ንጉዳያት ኢሚግሬሽን፣ ዑቕባ (asylum) ከምኡውን ቤት ፍርዲ ብቑዓት ተርጎምቲ ትግርኛ።
ንሆስፒታልን ቆጸራ ሓኪምን
ሆስፒታልኩም ተርጓሚ ትግርኛ ከዳልወልኩም ሕተቱ። ሆስፒታላት ብቐጥታ ምሳና ክሰርሑ ይኽእሉ።
ንመንግስታዊ ጉዳያት
ንቆጸራታት ረብሓታት (benefits)፣ ቤት ትምህርትን ማሕበራዊ ኣገልግሎትን።
የቐንየልና!
ኣብ ቀረባ ግዜ ብትግርኛ ክንረኽበኩም ኢና።